Voatigrigna's Instagram Audience Analytics and Demographics

@voatigrigna

Eritrea

ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ሰሙን ሸውዓተ መዓልታት ናይ ፍርቂ ሰዓት ፈነወ የመሓላለፍ
Eritrea

Business Category

Publishers

Get Our Influencer Rate Card Today!

A brand new way for you to compare the rates of influencers across the world.

Learn More

PROFILE OVERVIEW OF VOATIGRIGNA

Average engagement rate on the posts is around 0.04%. The average number of likes per post is 4 and the average number of comments is 2.

Voatigrigna loves posting about News.

Check voatigrigna's audience demography. This analytics report shows voatigrigna's audience demographic percentage for key statistic like number of followers, average engagement rate, topic of interests, top-5 countries, core gender and so forth.

Followers
6,671
Avg Likes
4
Avg Comments
2
Posts
777

GENDER OF ENGAGERS FOR VOATIGRIGNA

Female
0 %
Male
0 %

MENTIONED HASHTAGS OF VOATIGRIGNA

RECENT POSTS

1 0

▶መንግስቲ ሩዋንዳ ትማሊ ሰሉስ ነፈርቲ ኲናት ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ንክሊ ኣየር ሃገሩ ምጥሓሰን ሓቢሩ። መንግስቲ ብመገዲ ትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ነቲ ዝተፈጸመ ጥሕሰት ንምክልኻል ስጉምቲታት ከምዝወወሰደ ይገልጽ። እታ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጎማ ምዕራፋን ኣብ ማሲሲ ዝተባህለ ቦታ ኣንጻር ሚሊሻ M23 መጥቓዕቲ ፈጺማ ትምለስ ምንባራ ወታሃደራዊ ምንጪታት ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ሓቢሮም ኣለው።ብተወሳኺ እታ ነፋሪት ብሰራዊት ሩዋንዳ መጥቓዕቲ ከምዝገጠማ ይሕብሩ። ክልቲኦም ወገናት ኣቐዲሞም'ውን ኣብ ምጥሓስ ክሊ ኣየር ዝምልከት ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም'ዮም።

2 0

➡⚽ ሊዮናል መሲንን ክሪስትያኖ ሮናልዶ ዳግማይ ዘራኸበ ግጥም። ኣብ መንጎ ናይ ፈረንሳ ፓሪ ሳን ጀርሞንን ኣል ስታር ሪያድ ንዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምሕዝነታዊ ግጥም ነቶም ክልተ ህቡባት ተጻወቲ ዳግማይ ክራኸቡ ኣኽኢልዎም'ዩ። እቲ ግጥም ብዓወት ፓሪ ሳን ጀርሞን 5 ብ 4 ተዛዚሙ።

0 0

▶ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ' ታ ከተማ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም ኣብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቃዲሾ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ'ታ ከተማ ዝተኻየደ ከበባ ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶም ፖሊስ'ታ ሃገር ሓቢሮም። ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ነታጒ ኣብ ኣፍደገ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ምስ ተኻየደ ምልውዋጥ ተኹሲ ምኽያዱ ፖሊስ ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። #somalia ##mogadişhu

0 0

▶ ኣብ ሕርሻ ዕፉን ዝተቐርጸ ምስሊ ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሊዮናል መሲ ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሊዮናል መሲ ድሕሪ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ስሙ ኣብታ ሃገር ዝያዳ ገኒኑ ይርከብ። ምስሉ ኣብ አካላት ሰባት ከምኡ'ውን ዝተፈላለየ ቦታታት'ታ ሃገር ክስቀልን ክቕመጥን ይረኣ'ሎ። ኣብ ኮርዶባ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ሎስ ኮንዶረስ ዝተባህለ ቦታ ዝርከብ ሕርሻ ዕፉን ድማ ብዝተፈለየ ቅርጺ ዝተዘርኣ እኽሊ ምስ በቖለ ምስሊ ገጽ ሊዮናል መሲ ከርእይ ክኢሉ'ሎ። #messi #cornfarm #aregentina

2 1

▶ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ኣስመራ #asmara #epipahany

1 0

➡ ኢትዮጵያ 500 ሜጋዋት ናይ ጸሓይ ጸዓት ፕሮጀክት ንምምዕባል ምስ ናይ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኩባንያ ማስዳር ስምምዕ ፈሪማ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጦም። እዚ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ናይ ጸዓት ዓቕማ ከተስፍሕን ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ፀዓት ክትጠቅምን ዘኽእላ ቀንዲ ተበግሶ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ እዩ።

3 0

▶ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ሄንሊን በንክሊን ዝተባህለ ትካል ዓለምለኸ ዜግነትን መንበሪን ዝበለጸ ፓስፖርት ዓለም 2023 ንዝበሎም ፓስፖርት ሃገራት ወግዓዊ ጌሩ'ሎ። እዚ ትካል ፓስፖርት ሃገራት ክትጉዓዘሉ ዘኽእል ቦታታት መሰረት ብምግባር'ዩ ነቲ ዝርዝር ወግዓዊ ጌሩ።

1 0

ንነዊሕ እዋን ክህደን ዝጸንሐ ሓለቓ ጉጅለ ማፊያ መሲና ዴናሮ ብሰኑይ ድሕሪ ምትሓዙ ትማሊ ሰኑይ ናብ ማእሰርቲ ተወሲዱ'ሎ። እቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ክህደን ዝጸንሐ ዴናሮ፡ ሕክምና ኣብ ዝግበረሉ እዋን’ዩ ብሰኑይ ኣብ ፓሌርሞ ተታሒዙ። ዴናሮ ብዝቐረበሉ ሓይሎ ክስታት ካብኡ እንኮላይ ብቕትለት ላዕለዋይ ጸረ-ማፊያ ኣኽባር ሕጊ ንሱ ኣብ ዘይነበረሉ ን20 ጊዜ ናይ ህይወት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ። ብኣሰቃቒ ግፍዕታቱ ዝፍለጥ ዴናሮ፡ ንሱ ብዝቐትሎም ግዳያት ምሉእ መቓብር ክመልእ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።

1 0

▶ ኣብ ኔፓል ትማሊ ሰንበት ብዘጋጠመ ሓደጋ ምውዳቕ ነፋሪት ኣብታ ነፋሪት ዝንበሩ ኹሎም 72 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣቭየሽን'ታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ዘጋጠመ ዝኸፍኣ ሓደጋ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ። #nepal #crash

13 0

▶ ኣትለታት ተወላዶ ትግራይ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ፍልልይ ምስ ስድራቤቶም ተራኺቦም ብሰንኪ ኲናት ዝነበረ ጋግ፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝቕመጡ ተወላዶ ትግራይ ኣትለታት ንኽልተ ዓመታት ካብ ስድራቤቶም ተፈላልዮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ብእኩብ መቐለ ኣትዮም። #ethiopia #mekelle #athlete

9 0

➡ ናብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈላሚ ዑደት ዝገብር ዘሎ ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኲን ጋንግ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ኣሎ። እቲ ሚኒስተር ምስ ናይ ኢትዮጵያ መዘናኡ ደመቀ መኮነንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ተራኺቡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዘተኰረ ምይያጥ ምግባሩ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወጸ ሓጺር መግለጺ ኣመልኪቱ። #ethiopia #china #addisababa

5 0

▶ ትካል መፈረይ መካይን BMW ደጋዊ ሕብሪ ትቕይር መኪና ንምርኢት ኣቕሪቡ። ቢ.ኤም.ዳብሊው (BMW ) ነዛ ደጋዊ ሕብሪ ትቕይር መኪና ንምርኢት ዘቕረበ ኣብቲ ኣብ ላስ ቨጋስ ዝካየድ ዘሎ ምርኢት ኤሌክትሮኒክስ'ዩ። እታ መኪና 32 ሕብርታት ክትቕይር ከምትኽእል'ውን ተፈሊጡ'ሎ። #BMW #CES

* Copyright: Content creators are the default copyright owners. These Images are published on public domains and respective social media for public viewing.

PEOPLE ALSO VIEWED

183.3K
-
1.92 %
Eritrea Entertainment and Music, Parenting, Entertainment, DJ, Music
47K
855 / post
0.31 %
Eritrea Entertainment and Music, Entertainment, Singer, Music
30.6K
-
2.82 %
Eritrea Travel, Writers, Soul